Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝልቀቑ ሓበሬታታት ሓቃውነቶም ከረረጋግፅ ይግባእ – ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝልቀቑ ሓበሬታታት ሓቃውነቶም ከረረጋግፅ ከምዝግባእ ፓርቲ ብልፅግና ኣገንዚቡ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ብማሕበራዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍነዉ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት እናተበራኸቱ ይርከቡ ኢሉ፡፡

“ዝኾነ ይኹን ዜጋ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጋውሑ ሓበሬታታት ቅድሚ ምቕባሉ ካብ ዝተረጋገፀን ትኽክለኛን ፍልፍል ዝተረኸቡ ምዃኖም ብጥንቃቐ ከፃሪ ይግባእ” ኢሉ እቲ ፓርቲ፡፡

ሎሚቅነ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ዝኾኑ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኩነታት ድሕንነቶምን ጥዕነኦምን ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝተናፈሰ ወረ ፍፁም ሓሶት ከምዝኾነን ኮነ ተባሂሉ ሕብረተሰብ ንምድንጋር ሓላፍነት ብዘይስመዖም ኣካላት ዝተጋውሐ ነውራም ሓበሬታ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ህዝቢ ኣብ ቀፃሊ እውን ካብ መሰል ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ክጥንቀቕ ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.