Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ዝነበሩ ክፍተታት ንምምላእ ዝተገበረ ፃዕሪ ንኢዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ዝነበሩ ክፍተታት ንምምላእ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ፃዕሪ ንኢዱ።

እቲ ሕብረት ከይዲ ምሃብ ድምፂ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ንምዕዛብ ብዙሓት ተዓዘብቲ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣዋፊሩ ከምዝነበረ ገሊፁ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ድማ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ሰላማዊ ኮይኑ ክዛዘም ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ኣብ መግለፂኡ፥ እቲ ከይዲ ብዙሓት ጥንኩር ጎኒታት ከምዝነበሩ ብምግላፅ ብፍላይ ቦርድ መረፃ ኣብቲ ከይዲ እናጋጠሙ ዝነበሩ ክፍተታት ንምምላእን እዋናዊ ምላሽ ንምሃብ ዝገበሮ ፃዕሪን ንኢዱ።

መረፅ ብዕቱብ ወፂኦም ኣብ መረፃ ከምዝተሳተፉ ዝገለፀ እቲ ሕብረት፥ ድምፂ ንመሃብ ብትዕግስቲ ምፅባዮም ዝነኣድ ከምዝነበረ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.