Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ልዕሊ 53 ሚሊየን ዩሮ ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታትዝውዕል 53 ነትቢ 7 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዘ ንዘድሊዮም ወገናት ሓዊሱ ብጎንፂን ለውጢ ኣየርን ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኮሚሽነር ኣመራርሓ ቅልውላው እቲ ሕብረት ጃኔዝ ሌናርቺቺ፥ እቲ ሓገዝ ኣብ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሓገዝ ንዘድሊዮም ሰባት ዝውዕል ሓገዝ ንምብፃሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንዝተመዛበሉ ዘተጋታት ንምሕጋዝን ኣብ ዝርከቡሉ ከባቢ ንዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ንሕጋዝ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቶም ኮሚሽነር ፅባሕ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ከምዝዛተዩ ካብቲ ሕብረተው ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.