Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ሊቢያ ሓዱሽ ሜላ ቁፅፅር ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ሊቢያ ዘሎ ዝርገሐ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር መሳርሒታት ኲናት ንምዕጋት ሓዱሽ ሜላ ቁፅፅር ንምዝርጋሕ ተስማዕሚዐን።

27 ኣባል ሃገራት ኣብ መርህታት እቲ ሓዱሽ ሜላ ቁፅፅር ኣብ ስምምዕነት ዝበፅሓ እንትኾና፥ ብፅሑፍ ዝተዳለወ ረቂቕ ሰነድ ከሰናድኣ ግቡአን ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ብውድብ ሕቡራት መንግስቲ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ መንግስቲ ትሪፖሊ፥ መብዛሕትኡ ክፋል ምብራቓዊን ደቡባዊን ሊቢያ ተቖፃፂሩ ብዝርከብ ብጀነራል ካሊፋ ሃፍታር ዝምራሕ ሓይሊ መጥቃዕቲ እናበፅሖ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ልኡኽ ሓይሊ ኣየርን ባሕሪን ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ምብራቓዊ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ብምዃን ናይ ምቁፅፃር ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ኣብቲ ስምምዕነት ተመልኪቱ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ሉጂ ዲ ማዮ፥ መራኽብ ናይቲ ሕብረት ስደተኛታት ናብ ኣውሮፓ ንኸኣትዉ ምኽንያት ዝኾነ ወፍሪ ንኽቋረፅ ከምዝገብራ ገሊፆም።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.