Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኣቕርቦት ዕድጊት ምግብን ዘበናዊ ዱኽዒን ሩሲያ ማዕቐብ ዘይምንባሩ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኣቕርቦት ዕድጊት ምግብን ዘበናዊ ዱኽዒን ሩሲያ ማዕቐብ ዘይምንባሩ ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦሬል ገሊፆም።

ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦሬል ነዚ ዝበሉ ኣብ ኣኼባ ሚኒስትራት ሕብረት ኣውሮፓ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኢዩ።

እቲ ኣኼባ ሚኒስትርት ብምኽኒያት ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንፂ ኣብ ወደባት ፀሊም ባሕሪ ዝተትሓዘ ንግዲ እኽሊ ዩክሬን ምንጋፍ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ክላዘቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ከም ሓበሬታ ትካል ንግዲ ዓለም ካብ 22 ክሳብ 25 ሚሊየን ቶን እኽሊ ኣብ ወደባት ዩክሬን ተታሒዙ ኣሎ።

ምዕራባውያን እቲ እኽሊ ሩሲያ ከመዝኣገደቶ ብተደጋጋሚ ክሴታ ኣቕሪቦም ኢዮም።

ሩሲያ ብግደኣ እቲ እኽሊ በቲ ወደብ ኣቢሉ ንዓለም ክበፅሕ ድልየት ከምዘለዋ ገሊፃ ኢያ።

ይኹን እንበር ዩክሬን ኣብቲ ባሕሪ ብዘለዋ ፍሉይ ባህጊ ወተሃደራዊ ሓይላ እተን ወደባት ብምቁፅፃሩ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ምግላፃ ኣር ቲ ኒውስ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.