Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኣውሮፓ ዝግበር ጉዕዞ ንኽእገድ ምኽረ ሓሳብ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ እናተጋደደ ብዝመፅአ ለበዳ ኮቪድ-19 ምኽንያት ካብ ኣሜሪካ ናብ ኣባል ሃገራት ዝግበር ዝኾነ ሕኹን ጉዕዞ ንኅእገድ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ምኽረ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ ውሳነ ንዝቕፅል ሰነ ናይ ሓጋይ በዓላት ኣሜሪካ ካብ ስግኣት ድሕንነት ናፃ ምዃና ዘመሓላለፎ ውሳነ ዝዓፀፈ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ከም ፀብፃብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ኣብ ኣሜሪካ 977 ሺሕን 947 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ 7 ሺሕን 394 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ኣሜሪካ ብተወሳኺ ናብ እስራኤል፣ ሊባኖስ፣ ሞንቴነግሮ፣ ሜቄዶኒያን ኮሶቮን ዝግበር ጉዕዞ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

እቲ ምኽረ ሓሳብ ግዴታ ዘንብር ከምዘይኮነን ገደብ ካብ ዝተገበረለን ሃገራት ናብቲ ሕብረት ጉዕዞ ኣብ ዝገብሩ ተጓዓዝቲ ግን ኣብ ውሸባ ምፅናሕ ሓዊሱ ጥቡቕ ምርመራን ክትትልን ክካየደሎም ይግባእ ተባሂሉ፡፡

ፍልፍል፦ ሺንዋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.