Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ዘውፀኦ ምዕሩይ ዋጋ ነዳዲ ሩሲያ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ዘውፀኦ ምዕሩይ ዋጋ ነዳዲ ሩሲያ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ።

ኣባላት እቲ ሕብረት ፍሪያት ነዳዲ ሩሲያ ብበርሚል 60 ዶላር ኣሜሪካ ንክሽየጥ ምስምዕማዐን ዕላዊ ገይረን።

ብመሰረት እዚ እተን ሃገራት ካብቲ ዝተቐመጠ ዋጋ ንከይገዝኣ እገዳ ተነቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣባላት ጉጅለ ሸውዓተን ኣውስትራሊያን ካብ ሩሲያ ዝዕድግኡ ነዳዲ ካብቲ ዝተቐመጠ ዋጋ ንላዕሊ ከምዘይገዝኣ ኣፍሊጠን።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሩሲያ ኣሌክሳንደር ኖቫክ፥ ሕብረት ኣውሮፓ ዘውፀኦ ምዕሩይ ዋጋ ነዳዲ ሩሲያ ከምዘይትቕበሎ ገሊፆም።

እተን ሃገራት ዝኸድኡ መገዲ ዓለም ለኸ ሕጊ ንግዲ ከምዝፃረር ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.