Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካን ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ወታደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ጊኒ ኮኒኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣፍሪካን ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝን ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት ዝተኻየደ ወታደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ጊኒ ኮኒኖም።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋን ፌሊክስ ሺሴኬዲ፥ ኣብ ጊኒ ነቶም ፕሬዚዳንት ብምዕጋት መንግስታዊ ስልጣን ብወታደራዊ ሓይሊ ምሓዝ ግቡእ ከምዘይኮነ ገሊፆም፡፡

ትማሊ ብወታደራት ዝተዓገቱን ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ዝርከቡን ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኣልፋ ኮንዴ ንኽልቀቑ እውን ፀዊዖም፡፡

ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ፥ ኣብ ጊኒ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ንምዝታይ ህፁፅ ኣኼባ ንኽካየድ እውን እቲ ሕብረት ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፥ ኣብ ጊኒ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብምኹናን፤ ፕሬዚዳንት ኣልፋ ኮንዴ ብህፁፅ ንኽልቀቑ ኣብ ትዊተር ገፆም ሓቲቶም፡፡

ወዲ 83 ዓመት ፕሬዚዳንት ጊኒ ኣልፋ ኮንዴ ትማሊ ሰንበት ንጉሆ ብወታደራዊ ሓይሊታት ምስተዓገቱ ወታደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምግባሮም ምእዋጆም ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.