Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሱዳን ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሱዳን ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ሙሳ ፋቂ ማሀመት፥ ኣብ ሱዳን ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከምዝበፅሐ ዘርእዮ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃማዶክን ካልኦት ስቪላዊ ሰብ መዚ እታ ሃገርን ምእሳሮም ኢዩ ክብሉ እቲ ጉዳይ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ከምዘተሓሳሰቦም ኣፍሊጦም።

ኣብ መንጎ ስቪላዊ ምምሕዳርን ወተሃደርን ዘሎ ጉዳይ ብዘተ ፖለቲካን ሕገ መንግስታዊ ማዕቐፍን ብህፁፅ ንክፍታሕ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እታ ሃገር ንምድሓንን ንዴሞክራሲያዊ ሽግግርን ዘተን ምርድዳእን ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሊቀመንበሩ አክለውም የፖለቲካ መሪዎች ከእስር እንዲፈቱ እና ለሰብዓዊ መብት ጥበቃ እንዲደረግ ጥሪ አስተላልፈዋል፡፡

ብተወሳኺ መራሕቲ ፖለቲካ ካብ እሱር ንክፍትሑን ንሰብኣዊ መሰልን ሓለዋ ንክግበር ፃውዒት ኣተሓላሊፎም።

ፍልፍል፦ ሕብረት ኣፍሪካ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.