Fana: At a Speed of Life!

ሕድ ሕድ ሸማታይን ተጠቃማይን ዕዳጋ እንትገብር ባህሊ ምሕታትን ምቕባልን ካርነ፣ ከማዕብል ይግባእ – መንግስቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕድ ሕድ ሸማታይን ተጠቃማይን ዕዳጋ እንትገብር ባህሊ ምሕታትን ቅብሊትን ካርነ ከማዕብል ከምዝግባእ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መልእኽቲ፥ ቅብሊት ኣብ ምቕባልን ብመልክዕ ቫት ዝእከብ ናይ ሓደራ ቅርሺ፣ ንመንግስቲ ኣታዊ ኣብ ምግባር ዝረአ ፀገም ክፍታሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ብኣንፃሩ ድማ፥ ካርኒ ቕብሊትን ቫትን ብዝግባእ ዝትግብሩ፣ ካብ ዘለቶም ንእሽተይ ትርፊ ከይሰስዑ “ትግራይ ብደቃ” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጦም ጉልበቶም፣ ፍልጠቶምን ገንዘቦምን ብምውፋይ፣ ኣብ ኩለመዳያዊ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ንጥፈት ዝሳተፍ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሓቦኛታት ሰብ ሃፍትን ነጋዶን ደቂ ትግራይ ከምዘለዉን ዝነኣድ ተግባር ከምዝኾነን እውን ገሊፁ ኣሎ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

“በሊዑ ዘይምርቕን፣ ዕዳጋ ዊዒሉ ዘይጥይቕን ሓደ!!”

ሰንሰል ብሄራዊ ዕብለላ ዝበጠሰን፣ መቑሕ ምሒር ምዝመዛ፣ ጭቆናን ባርነትን በቲኹ ብሩህ ጉዕዞ ህዳሴና ዘበሰረ፣ ሽግ ሓርነት ዝተወለዓሉ ወያነና፣ መበል 45 ዓመት ልደት 11 ለካቲት፣ “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ መላእ ትግራይ፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታትና ሃገርናን ኣርባዕቲኡ ኹርናዕ ዓለም ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይን ፈተውቲ ልምዓታዊ ዲሞክራስያዊን መስመርና፣ ብወነን ወያናይ ህልኽን ብድሙቕ የፅምብልዎ ኣለዉ፡፡ እዚ ተግባራዊ ምላሽ ፈተውትናን ብቐንዱ ህዝብናን፣ ወዲ ትግራይ፣ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፣ ሕድሪ ስውኣት፣ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ዘየዕብር ምዃኑ ብጋህዲ ዘርኣየሉ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ብሕታዊ ዋሕስ መንነትናን ምዕባለናን ልምዓታዊን ዲሞክራስያዊን መስመርና ጥራሕ እዩ ብምባል ኣብ ኣደባባይ ይዋደቐሉ ምህላዉ፣ መፃኢ ጉዕዞና ብሩህ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡፡ ብምዃኑ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ነዚ ንዝበለፀ ቃልሲን ዓወትን ዘለዓዕል ታሪኻዊ ፍፃመ ህዝብና ዘለዎ ክብርን ናእዳን እንትገልፅ ዝስምዖ ሓበን ዝለዓለ እዩ፡፡

“መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” እንትብሃል፣ ኣብ ዝኾነ ዓውደ ስራሕን ግንባርን ዝተዋፈረ ሕድ ሕድ ወዲ ትግራይ፣ ነቲ ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ ዝምጥን፣ ስነ-ምግባርን ቑመናን፣ ሒዙ ብወነን ወያናይ ህልኽን ቀትርን ለይትን ሰሪሑ ዝጭበጥ ውፅኢት የመዝግብ ማለት እዩ፡፡ ኾይኑ ግና ኣብ ሓደ ሓደ ዓውደ ስራሕቲ ዝርኣይ ዘሎ ተግባራት፣ ነቲ ካብ ደገን ወፃኢ ዓዲ ዝተኣኻኸበን ምስ ጠላማትን ከደዓትን ግንባር ፈጢሩን ዘሎ ሓይሊ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፣ ዘብፅሖ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ፀገማት ዘጋድድ እዩ፡፡ ንኣብነት ቅብሊት ኣብ ምቕባልን ብመልክዕ ቫት ዝእከብ ናይ ሓደራ ቅርሺ፣ ንመንግስቲ ትግራይ ኣታዊ ኣብ ምግባር ሰፊሕ ፀገም ኣሎ፡፡ እዚ ፀገም ብተደጋጋሚ ተላዒሉ እዩ፡፡ ግና ሰማዒ እዝኒ ብዘይምርካቡ፣ እቲ ፀገም ብመሰረቱ ኣይተፈትሐን፡፡

እዚ ፀገም ዝብገስ፣ ብሓደ ወገን ሸማታይ ኣቑሑን፣ ተጠቃማይ ዝተፈላለዩ ግልጋሎታትን ቅብሊት ካርነ ሃቡኒ ኢልካ ምሕታት ግቡእን ግድነትን ኮይኑ እናሃለወ፣ ዘየድሊ ስክፍታ ዝዓብለሎ ኣጉል ልምዲ ዝወለዶን ዘይተሰበረን ፀገም ምቕፃሉ፤ በቲ ካሊእ ወገን ድማ ካብ ሸማታይን ተጠቃማይን ብመልክዕ ቫት ዝእከብ ቅርሺ ንመንግስቲ ኣታዊ ክገብሩ ሕድሪ ዝተዋሃቦም ብስስዐ ዓይኖም ዝዓወረ ውሑዳት ነጋዶን ደለልትን ብዘይረሃፁሉን ዘይናቶምን ቅርሺ ጅቦኦም የሕብጥሉ ስለዘለዉ እዩ፡፡ እዚ ብዘሰክፍ ኣገባብ ዝቕፅል ዘሎ እከይ ተግባር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝሓዞም ኩለመዳያዊ መደባት ትልሚ ዲሞክራታይዜሽንን ትራንስፎርሜሽንን ዘጓትትን ዘዕንቅፍ ጥራሕ እንተይኮነስ ዕድመ ድኽነት ዘንውሕ እውን ኢዩ፡፡

ኣብዚ ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ ካርኒ ቕብሊትን ቫትን ብዝግባእ ዝትግብሩ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ካብ ዘለቶም ንእሽተይ ትርፊ ከይሰስዑ “ትግራይ ብደቃ” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጦም፣ ዓይኖም ከይሓሰዩ ጉልበቶም፣ ፍልጠቶምን ገንዘቦምን ብምውፋይ፣ ኣብ ኩለመዳያዊ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ንጥፈት ዝሳተፍ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሓቦኛታት ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን ነጋዶን ደቂ ትግራይ ኣለዉ እዮም፡፡ እዞም ድቃስ፣ ሲኢኖም ንሰላምን ልምዓትን ትግራይ ቀትርን ለይትን ዝሰርሑ ዘለዉ ደቂ ትግራይ መንግስቲ ትግራይ ዝገበረሎም ፃውዒት ተቐቢሎም፣ ብዝኣተውዎ ቃል መሰረት ዛጊድ ካብቲ ቃል ዝኣተውዎ ብር 650 ሚልዮን፣ ስሳ ሚኢታዊ /60%/ ኣታዊ ገይሮም ኣለዉ፡፡ እቲ ዝተረፈ ኣታዊ ንምግባር ድማ ይረባረቡ ኣለዉ፡፡

ብሓፂሩ እቶም ቅብሊትን ተኣካባይ ቫትን ዘጭብርብሩ ዘለዉ ውሱናት ወገናት ካብቶም ንትግራይና ዘወፍዩ ዘለዉ ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን ነጋዶን ተማሂሮም ግቡኦም ከወፍዩ ይግባእ፡፡ እቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣየር ብኣየር ኣብ ጁባ ውሑዳት ዝኣትው ዘሎ ብሚልዮናት ዝቑፀር ቅርሺ፣ ብዙሓት ነዃላት፣ ዝሽፍን ምዃኑ ተረዲኦምን ንባዕሎም ነቒፎምን ናብ ንቡር ክምለሱ ኣለዎም፡፡ ኣብ መወዳእታ ካብ ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ሓደ፣ ሕድሪ ዘይምብላዕ እዩ፡፡ እዚ ፅቡቕ ክብሪ ሕድ ሕድ ወዲ ትግራይ ክዕቅቦ ይግባእ፡፡ ስለዝኾነ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናይ እማቶም ዝወስዱ ዘለዉ ነጋዶን ደለልትን፣ ህዝብናን መንግስትናን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ሰላምና ውሑስ ኣብ ዝገበርዎ ክልል እዮም ዝንግዱን ዝነብሩን ዘለዉ።

ስለዙይ ነቲ ዘሎ ሰላም ንኽዕቀብ ክምርቑ ኣለዎም፣ ጥራሕ ከይኮነስ ካብ እከይ ተግባሮም ክናገፉ ግቡእ ኣለዎም፡፡ ሕድ ሕድ ሸማታይን ተጠቃማይን እውን ዕዳጋ እንትገብር ባህሊ ቅብሊት ካርነ፣ ምሕታትን ምቕባልን ኣማዕቢሉ፣ በሊዑ ዘይምርቕን ተመስገን ንዘይብልን እናተቓለሰ፣ “በሊዑ ዘይምርቕን ዕዳጋ ውዒሉ ዘይጥይቕን ሓደ እዩ!!” ዝብል ብሂል ብመሰረቱ ንምቕያር ብመልክዕ ሰራዊት ልምዓትን መኸተን ተወዲቡ ክረባረብ ይግባእ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.