Fana: At a Speed of Life!

መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት 20 ግንቦት ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት 20 ግንቦት ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ኣመሓላሊፎም።
 
ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕበ ቀሪቡ ኣሎ።
 
ሰላም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢ ሃገርን ዘለኻ ህዝቢና ብሓፈሻ፣ ቅድመ ግንባር መኸተና ዝኹንኩም ኣብ ድጅታል ወያነ እትነጥፉ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ፣ ከመይ ኣለኹም? ቅድሚ ኹሉ እንኳዕ ናብዛ ታሪካዊት ዕለት 20 ጉንበት ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና ክብል ይፈቱ።
 
ኩሉ ከምዝፈልጦ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ወፅዓ፣ ዓፈናን መግዛእትን ቃልሲ እንትጅምር እንተሎ፣ ሌላን ጉሌላን ዘይግበረላ፣ ርትዕን ፍትሕን ዝነገሰላ ዓዲ ንምህናፅ’ዩ ነይሩ።
 
ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ሕብረቱን ውዳበታቱን ኣሐይሉ፤ ኣብ ዙርያ መሪሕ ውድቡ ህወሓት ዓሲሉ፣ ማእለያ ዘይብሎም መስገደላት ሰጊሩ፣ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ብምኽፋል ዝተበገሰሉ ዕላማ ብዓወት ክዛዘም ገይሩ’ዩ።
 
ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላቱን ክብሩን ብቕልፅሙ ንምርግጋፅ ኣብ ዘካይዶ መሪር ተጋድሎ፤ እናተበራረዩን እናተሓጋገዙን ምስዝመፁ ብዓቕሚ ኣዝዮም ዝበልፅዎ ሓይልታት ክገጥም እኳ እንተተገደደ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ግን ክጭፍለቕን ክሰዓርን ኣይከኣለን። ድሕሪ ዘይሕለል ተጋድሎ ድማ ስርዓት ደርጊ ንሓሳብን ንመወዳእታን ተፀሪጉ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ መሰል ህዝብታት’ዛ ሃገር ድሙቕ ታሪኽ ክስነድ ገይሩ እዩ። ብዘካየዶን ዘርኣዮን ፅንዓትን ተቓላሳይነትን ድማ ኣብዛ ሃገር ፍሉይ ፖለቲካዊ ባህልን መትከልን ክስርት ክኢሉ’ዩ።
 
ኣብዚ ሓዱሽ ናይ ቃልሲ ንኡስ መድረኽ ኮይንና መበል 29 ዓመት በዓል ዓወት 20 ግንቦት እንትነኽብር ከለና፤ ንታሪኽ ገድልን ቅያን ህዝቢ ትግራይ ንድሕሪት ተመሊስካ ብምፍታሽ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከይዲ ቃልሱ ዝሰገሮም ኣዝዮም ከበድቲ መድረኻት፣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ተፃዋርነትን ተቓላሳይነትን፣ ዝተሰግሩ መስገደላትን ፅንዓት ህዝብናን ተጋዳላይናን ብግቡእ ምርዳእ የድሊ።
 
ዝኸበርኩም ቅድመ ግንባር መኸተና ዝኾንኩም ኣባላት ድጅታል ወያነ/መንእሰያት ትግራይ/!
 
ኣብ ልዕሊ ህላወናን መንነትናን ክካየዱ ብዝፀንሑን ዘለውን ተኸታተልትን ተመጋገብትን ፖለቲካዉን ዲፕሎማሲያውን ሽርሒታትን ወፍሪ ፀለመን ከይረብረብኩም ብተካይድዎ ዘለኹም ቃልሲ፣ ከም ተቐበልቲ ሕድርን ሓዱሽ ወለዶን ንናይ ኣያታትኩም ታሪኽ መሊሱ ድምቀት ዝውስኽ፥ ነቲ ረዚን ታሪኽ ናይ ምስራሕ ባህሊ ተጋሩ ከኣ ዝያዳ ክኹላዕ እናገበርኩም ኢኹም፣ ክትምስገኑ ይግባእ።
 
ሕዚ እውን እዚ መትከላዊን ሕጋዊን ቃልሲ ዝያዳ ኣጠናኺርኩም ክትቅፅልሉ ደጊመ ፃውዒተይ ከቕርበልኩም ይፈቱ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.