Fana: At a Speed of Life!

መሓመድ ሑሴን ሮብሌ ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማሊያ ኮይኖም ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ንመሓመድ ሑሴን ሮብሌ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ገይሮም ሾይሞምዎም።

መሓመድ ሑሴን ሮብሌ፥ ብዘለዎም ፍልጠት፣ ልምዲን ክእለትን ዝተመረፁ ከምዝኾኑ ፕሬዚዳንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ገሊፆም።

እቶም ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ቀሪቦም መተኣማመኒ ድምፂ እንተረኺቦም ካብ መዝነቶም ንዝተልዓሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ዓሊ ኻይርን ተኪኦም ክሰርሑ ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ዓሊ ኻይርን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም መተኣማመኒ ድምፂ ስኢኖም ካብ ስልጣን ከምዝተለዓሉ ይዝከር።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.