Fana: At a Speed of Life!

መምርሒታት ኮቪድ 19 ዝጠሓሱ ሓደሽቲ ሩዋንዳውያን መርዑት ኣብ ደገ ክሓድሩ ተገዲዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ጥሒስኩም ዝተባህሉ ሓደሽቲ ሩዋንዳውያን መርዑት፡ ስድርኦምን ዘሰንይዎም ዝነበሩ ዕዱማትን ብምልኦም ኣብታ መዓልቲ መርዓ ኣብ ስታድዮም ክሓድሩ ተገዲዶም።

ኩነታት እዞም መርዑት፣ ስድራን ኣጋይሽን ዕላዊ ምስኮነ፡ ሓያል ተቓውሞታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ሓንቲ ኣብ ስታድዮም ክትሓድር ዝተገደደት መርዓት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ኣብ መዓልቲ መርዓይ ዘጋጠመ ሕማቕ ዝኽሪ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዘይርሳዕ እዩ” ኢላ።

ፖሊስ ኪጋሊ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ በዓል ፋሲካ፡ ልዕሊ 20 ዕዱማት ዝነበሮም ሰለስተ መርዓታት ጠጠው ኣቢሉ እዩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ንማዕከናት ዜና ሩዋንዳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ብዙሓት ሰባት ጓይላ (ውራይ) ብምድላው፡ ሕግታት ይጥሕሱ ኣለዉ” ኢሉ። ፖሊስ ድማ እዚ ክቕፅል ከምዘይፈቅድ ሓቢሩ።

ገለ ሰባት ግና፡ ሰብመዚ “ልዕሊ ዓቐን ብምሕላፍ” ሰባት ኣብ ስታድየም ክሓድሩ ይኣስሩ ኣለዉ ብምባል ተቓዊሞም። ካልኦት ድማ “ንዕኦም ንምውሓስ” እዩ ክብሉ፡ ንስጉምቲ ፖሊስ ንኢዶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.