Fana: At a Speed of Life!

መረፃ ኣብ ዝተዛዘመለን ቦታታት ጣቢያታት መረፃ ምዕፃውን ስራሕቲ ቆፀራ ምጅማር ከምዝከኣልን ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት መሪፆም ኣብ ዝዛዘሙሎምን ንምምራፅ ሪጋ ዝሓዙ ዜጋታት ኣብ ዝተዛዘመለን ጣቢያታት መረፃ ምዕፃውን ስራሕቲ ቆፀራ ምጅማርን ከምዝከኣል ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትየጵያ ኣፍሊጡ።

ከይዲ ሃብ ድምፂ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ቀፂሉ እናተኻየደ ከምዝኾነ እቲ ቦርድ ገሊፁ፡፡

ከይዲ ምሃብ ድምፂ ደንጉዩ ዝተጀመረሎም ከባቢታት ከምኡ እውን ዝርገሐ ናውቲ መረፃ ኣብ ዝደጎየለን ቦታታት ከምዘለዋ ኣብሪሁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ድምፂ ንመሃብ ነዊሕ ሰልፊ ዘለወን ጣቢያታት መረፃብምህላወን እቲ ከይዲ ክሳብ ሰለስተ ሰዓት ንኽናዋሕ ምውሳኑ ኣዘኻኺሩ።

ከዚህ ጋር ተያይዞም የምርጫ አስፈፃሚዎች እስከ ምሽት 3 ሰአት ድረስ የሚመጣ ማንኛውንም መራጭ እንዲያስተናግዱም ጥሪ አቅርቧል።

ይኹን እምበር ኣብ መዝገብ መረፅቲ ዘለዉ ዜጋታት መሪፆም ዝዛሙን ንምምራፅ ሪጋ ዝሓዙ ሰባት ኣብ ዘይብለን ጣቢያታት መረፃ ምዕፃውን ቆፀራ ምጅማርን ከምዝከኣል እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.