Fana: At a Speed of Life!

መረፅቲ ኣድላዪ ጥንቃቐ ኮቪድ-19 ክገብሩ ከምዝግባእ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢዮጵያ ኣገንዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ድምፂ ንመሃብ ናብ ጣቢያታት መረፃ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ኣድላዪ  ጥንቃቐ ኮቪድ-19 ክገብሩ ከምዝግባእ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

ቦርድ መረፃ ንኣፈፀምቲ መረፃ ዝኸውን መከላኸሊ ኮቪድ-19 ምቕራቡ ዝገለፀ እቲ ኢንስቲትዩት፥ ሕብረተሰብ ናይ ባዕሉ እታወታት መከላኸለ ንኽጥቀም ሓቲቱ፡፡

ዜጋታት ድምፂ ኣብ ዝህቡሉ እዋን ኮቪድ-19 ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከምዝግባእ እውን እቲ ኢንስቲትዩት ኣገንዚቡ፡፡

መረፅቲ ድምፂ እንትህቡ፥ ርሕቐቶም ሓሊዮም፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምግባርን ምንኽኻእ ክህሉ ስለዝኽእል ፅሬት ኢዶም ክሕልዉን ከምዝግባእ ገሊፁ፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩትን መተሓባበሪ ምላሽ ኮቪድ-19ን ኣስቻለው ኣባይነህ፥ “መረፅቲ መምርሒ 30 ብምኽር ንባዕሎም ካብቲ ለበዳ ቫይረስ ክከላኸሉ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ምክትል ዳይሬክተሩ ለዚህም ከምርጫ ቦርድ ጋር እየሰራን ነው ሲሉ ተናግረዋል

እዚ ንምትግባር ድማ እቲ ኢኒስቲትዩት ምስ ቦርድ መረፃ ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

ሓላፊት ቾሙዩኒኬሽን ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሶሊያና ሽመልስ ብግደአን፥ እቲ ቦርድ ንኣፈፀምቲ መረፃ ዝኸውን እታወታት መከላኸሊ ኮቪድ ከምዘከፋፈለ ገሊፀን፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.