Fana: At a Speed of Life!

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ሃገሮም ምስ ኣሜሪካ ንዝግብር ዘተን ግጥምን ክትዳሎ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ሃገሮም ምስ ኣሜሪካ ንዝግብር ዘተን ግጥምን ክትዳሎ ከምዝግባእ ፀዊዖም።

ሰሜን ኮርያ ኣቐድሚ ሕዚ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንኽምስረት ዝገበሩዎ ፈተነ ገፅ ከሊኣቶ ፀኒሓ ኢያ።

እቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ዝሃቡ ርእይቶ፥ ኣብ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣመልኪቶም ዝሃቡዎ ፈላማይ ርኢቶ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ፕዮንግያንግ ንላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ ተረኺቦም ኢዮም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ዘለዉ።

ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ናይቲ ንሰሜን ኮርያ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ሸቓሎ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝጀመረ ኣኼብኡ፥ ኪም ጆንግ ኡን ነቶም ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ሰሜን ኮርያ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዋ ከምዘሎ እውን ገሊፆምሎም።

ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ዘረበኦም፥ “ክብርታትን ረብሓታትን ሰሜን ኮርያ ንምሕላውን ሰላምን ፀፅታን እዚ ከባቢ ንምውሓስን ንግጥም ድልዋት ክንከውን ኣለና” ምባሎም መንግስታዊት ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኬሲኤንኤ ኣቃሊሓ።

ኪም ጆንግ ኡን፥ ሰሜን ኮርያ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ንዝህሉ ዝኾነ ዓይነት ሓዲሽ ምዕባለታት ተሪርን ቅፅበታዊን መልሲ ከም ትህበሉ እውን ኣፍሊጦም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.