Fana: At a Speed of Life!

መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ናይ ሓባር መንግስቲ ከቑሙ ተሰማሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን መቐናቕንቶም ሪክ ማሻርን ዝተውሃቦም ገደብ ግዜ ቅድሚ ምብቅዑ ሓባራዊ መንግስቲ ከቑሙ ተሰማሚዖም።

እቲ ምዕባለ ዝመፅአ፥ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ጁባ ብሓሙስ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ እዩ ተባሂሉ።

ሪክ ማሻር ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ዝኾነት ከተማ ጁባ ብዕሊ ክምለሱ እንተኾይኖም፥ ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኪር ንመራሕቲ ተቓወምቲ ሓለዋ ክገብሩ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ምምቓል ስልጣንን ምፅንባር ተቐናቐንቲ ወገናትን ዝኣመሰሉ መፍትሒ ዘይረኸቡ ቀንዲ ዛዕባታት ኣብዝቕፅል መዓልትታት መዕለቢ ክግበረሎም ምዃኑ ሳልቫ ኪር ተዛሪቦም።

ማቻር ናብቲ ናይ ቀደም መዝነቶም ምክትል ፕሬዚደዳንት ክምለሱን ህሉው ካቢነ ፈሪሱ ኣባላት ተቓወምቲ ዝሓቖፈ ሓድሽ ካቢነ ክምስቱን ተሰማሚዖም።

እቲ ስምምዕ ነቲ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝዘለቐን ኣብታ ሃገር ዓብዪ ዕንወት ዘስዓበን ኲናት ሓድሕድ መዕለቢ ክገብረሉ ትፅቢት ይግበር።

በቲ ኲናት ከባቢ 400 ሺሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይግለፅ።

ሕቡራት ሃገራት፥ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን ሰላማውያን ሰባት ኮነ ኢሎም ብጥምየት ክሳቐዩ ይገብሩ ኣለዉ ክብል ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምኽሳሱ ይዝከር።

እቶም መራሕቲ ኣብ 2016 ንሰለስተ ወርሒ ዝፀንሐ ሓባራዊ መንግስቲ መስሪቶም ነይሮም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.