Fana: At a Speed of Life!

መራኸብቲ ሓፋሽ ሙያዊ ስነ-ምግባር ብዝሓለወ መልክዑ ንዝሰርሑዎ ፀብፃብ ምስጋና ይግበኦም – በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ሙያዊ ስነ-ምግባር ብዝሓለወ መልክዑን ብስምዒት ሃገራውነትን ንዝሰርሑዎ ፀብፃብ ምስጋና ከምዝግበኦም በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ሙሓመድ እድሪስ ከምዝገለፁዎ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ግልፂ፣ ፍትሓዊ፣ መምርሒ ሞያዊ ስነ-ምግባርን ዝተኸተሉ ፀብፃባት እናሰርሑ ውዒሎም።

ጋዜጠኛታት ሓበሬታ ንምትእኽኻብ ኣብ ከባቢታት ከተማን ገፀርን ተዋፊሮም ብዝተዋደደ መልክዑ ሚዛናዊን ትኽክለኛን ፀብፃባት እናቕረቡ ውዒሎም ዝበሉ ኣይተ ሙሃመድ፥ “እዚ ድማ ጋዜጠኛታት መስዋእቲ ንምኽፋል እውን እንተኾነ ድሉዋት ምዃኖም ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብ ሃገራዊ መረፃ ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቦም።

መረፃ ንምፅብፃብ ዝመፅኡ ናይ ወፃ ሃገራት መራኀብቲ ሓፋሽ ብተመሳሳሊ፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ መረፃ ዴሞክራሲያዊን ትኽክለኛን ከምዝኾነ ዘረድኡ ሓበሬታት ንህዝቢ ዓለም ኣቕሪቦም ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተወሰኑ ናይ ወፃኢ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኣፀባፅባ መረፃ ዝተወሰኑ ፀገማት ይረኣዩ እምበር መብዛሕተኦም ብፅቡቕ ክፅራሕ ዝኽእልን ሓቃውነት ከይዲ መረፃ ዘርኢን ከምዝነበረ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.