Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ልምዓት መንበሪ ኣባቲ 20/80ን 40/60ን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መርሃ ግብሪ ልምዓት መንበሪ ኣባቲ 20/80ን 40/60ን ከምዝቕፅልን ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ድማ ብማህበር ተወዲቦም ገዛ ክሃንፁ ዝደልዩ ተመዝገብቲ ብናፃ ሊዝ መሬት ከምዝሀዋቦምን ቢሮ ንምዓት ገዛውቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ ኢንጅነር ሰናይት ዳምጠው፥ ኣብ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ማሕበርን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂበን መግለፂ ሂበን።

ካቢኔ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼቡኡ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምንካይ ኣማረፅቲ ውሳነ ሓሳባት ምሕላፉ ይፍለጥ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ 20/80ን 40/60 ተመዝጊቦም ገዛ ዘይበፅሖም ነበርቲ ብማሕበር ተወዲቦም ናይ ሓባር ገዛ ንምህናፅ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት እቲ ምምሕዳር ከተማ ካብ ሊዝ ናፃ ዝኾነ መሬት ንምቕራብ ባዕሎም ንኸሃንፁ ከምዝግበረ ኣብሪሀን።

ኣብ 2005 ዓ.ም ንፕሮግራም ንህንፀት መንበሪ ኣባይቲ 20/80ን 40/60 ተመዝጊቦም ገዛ ዘይበፅሖም ሰባት ኣብ ህንፀት ገዛውቲ ማሕበር ቅድሚት ዕድል ከምዝወሃብ ዝገለፃ እተን ሓላፊት፥ እዚ ድማ ሕፅረት ቀረብ ቀረብ መንበሪ ኣባይቲ ንምንካይ ዝቐረበ ምዃኑ ኣገንዚበን።

ኣብ 20/ 80ን 40/60ን ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ልምዓት መንበሪ ኣባይቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣብ 1997 ዓ.ም ዝተመዘገቡ ዓቖርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝወፅእ ዕፃ ከምዝካተቱን ምግላፀን ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ናይ ሓባር መነበሪ ኣባይቲ ተረባሕቲ ንምዃን ዝተመዝገቡ ነበርቲ ብማሕበር ይመዝገቡ እምበር ኣፍልጦ ክሳብ ዝረኽቡ ዝጀመሩዎ ምዕቋር ኣጠናኺሮም ክቕፅ ከምዝግባእ እተን ሓላፊት ፀዊዐን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.