Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ምጅማር ኦን ላይን ፍቓድ ምዝገባ ንግዲን ስርዓት ኣሰራርሓ ምሃብ ግልጋሎትን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ምጅማር ኦን ላይን ፍቓድ ምዝገባ ንግዲን ስርዓት ኣሰራርሓ ምሃብ ግልጋሎትን ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ስርዓት ኣወሃህባ ኣገልግሎት፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ተረኺቦም።

ኣገልግሎት ኦንላይን ምዝገባ ንግዲን ፍቓድን፥ ነጋዶ ናብ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ይኹን ናብ ቢሮ ንግዲ ክልላት ምኻድ እንተየድለዮም ኣብ ገዝኦም ወይ ድማ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ኮይኖም ብኮምፒዩተር አይ እውን ብስልኮም ኢንተርኔት ብምጥቃም ኣገልግሎት ምዝገባን ፈቓድን ንግዲ ዝረኽቡሉ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ኢዩ።

እቲ ኣሰራርሓ፥ ማሕበረሰብ ንግዲ ግዜኦም ክቑጠብ ካብ ምግባርሩ ንላዕሊ ኣድላይቲ ዘይኮነ ወፃኢ ብምቑጣብ ካብ ዝተሓላለኸ ቢሮክራሲ ከገላገሎ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ኣሎ።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.