Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ፈላማይ ኣወዳድባ ዳያስፖራ ሎሚ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ፈላማይ ኣወዳድባ ዳያስፖራ ሎሚ ክሳለጥ ክብል ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣብ ወፃኢ ዓድን ዝርከቡ ማሕበራት ዳያስፖራ፥ ናብቲ መርሃ ግብሪ ንዝመፅኡ ትማሊ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ኣቀባብላ ተገይሩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት መሐመድ እንድሪስ፥ ኣመራርሓ እቲ ኣወዳድባ ኣባላቶም ብምእካብ ንዝገበርዎም ተግባራት አመስጊኖም።

ተወካሊ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝርከቡ ኣመራርሓ ማሕበራት ዲያስፖራ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝህልዎም ፃንሒት ዕዉት ንክኸውን ኣድላዪ ደገፍ ንምግባር ድልዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቶም ኣመራርሓ ብግደኦም፥ ዳያስፖራ ብምትሕብባር ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ዝህልዎ ተሳትፎ ብዝበለፀ ንምዕባይ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.