Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ውድድር ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ሴካፋ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ዩጋንዳ ዝካየድ ውድድር ኩዕሾ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ /ሴካፋ/ 2021 ትሕቲ 20 ደቂ ኣንስትዮ  ኣብ ሞንጎ ሽዱሽተ ሃገራት ከምዝካየድ ኣሰናዳእቲ እቲ ውድድር ኣፍሊጦም።

ካብ 20 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ዩጋንዳ ዝካየድ ውድድር፥ ሽዱሽተ ሃገራት ብመልክዕ ዙር ፀወተአን ከካይዳ ኢየን ተባሂሉ፡፡

ኣሰናዳኢት ዩጋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ ብሩንዲ፣ ኤርትራ፣ ጅቡቲን ታንዛኒያን ኣብቲ  ውድድሩ ከምዝሳተፋ ተረጋጊፁ፡፡

እቲ ውድድር ብኣወዳድባ ሊግ ዝካየድ እንትኸውን፥ ልዑል ነጥቢ ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ተዓዋቲት ብምዃን ከምዝዛዘም ተሓቢሩ፡፡

ተሳተፍቲ ሃገራት እቲ ውድድር ቅድሚ ምጅማሩ ክልተ መዓልቲ ኣቐዲመን ኣብ ዩጋንዳ ካምፓላ ክኣትዋ ከምዝኽእላ ኣወዳዳሪ ኣካል ኣፍሊጡ፡፡

ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብዝወፅአ መርሃ ግብሪ መሰረት ቀዳማይ ዙር ፀወታኣ 20 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ሰዓት 7 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ኣብ ትገብሮ ፀወታ ውድድር ከምትጅምር ካብ ፌዴሬሽን ስፖርት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኢትዮጵያ ታካይዶም መርሃ ግብሪ ፀወታታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

20 ጥቅምቲ 2014 – ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ (7:30)

22 ጥቅምቲ 2014 – ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ (7:30)

24 ጥቅምቲ 2014 – ታንዛንያ ምስ ኢትዮጵያ (4:30)

27 ጥቅምቲ 2014 – ቡሩንዲ ምስ ኢትዮጵያ (4:30)

30 ጥቅምቲ 2014 –ዩጋንዳ ምስ ኢትዮጵያ (10:00)

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.