Fana: At a Speed of Life!

መሰል ቀዳምነት ይኹን እዋናዊ ግልጋሎት ወሓዚ ሩባ ኣባይ ኣብቲ ሩባ ናይ ምጥቃም መሰል ኢትዮጵያ ዘይግድብ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወሓዚ ሩባ ኣባይ ዘሎ መሰል ቀዳምነት ይኹን እዋናዊ ግልጋሎት ኣብቲ ሩባ ናይ ምጥቃም መሰል ኢትዮጵያ ዘይግድብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ክሊ ማዕቐፍ ሕጊ ተፋሰስ ወሓዚ ሩባ ኣባይን ሃይድሮ ፖለቲክስን ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕጊታት ኢትዮጵያ ማይ ኣባይ ብፍትሓዊ መገዲ ናይ ምጥቃም መሰል ከምዘለዋ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝቐረበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ወሓዚ ሩባ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ማይ ከምእተበርክት ብምግላፅ፥ ክሳብ ሐዚ 1 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ጥራሕ ትጥቀም ከምዘላ ተሓቢሩ።

መበገሲ ምኽኒያት ድማ ብሃገራት ተፋሰስ ዝተፈረሙ ሰነዳት ስምምዕነት ማሕንቖ ከምዝኾኑ ኣብቲ ዘተ ቀሪቡ።

ብፍላይ ብወገን ግብፂ ዝለዓል ኣብቲ ሩባ ዘለዋ ቀዳምነት ዘለዎ ተረባሕነት፥ ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕጊታት ፍትሓውነቱን ሚዛናውነቱን እንተዘይተመዓራሪዩ ተቐባልነት ኣይብሉን ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ ክልተ ወገናት ኣብ ዘገበርኡ ስምምዕነት ቻርተር ሕቡራት መንግስታትን ኮንቬንሽን ጄኔቫ 1969ን ሳልሰይቲ ብምዃን ክትግዛእ ከምዘይብላ እውን ተገሊፁ።

ነዚ ድማ ብመሰረት ካልኦት ዓለም ለኻዊ ሕጊታት ኣብ ግዝኣታ መሰል ምጥቃም ሃፍቲ ተፈጥሮ  ኣለዋ ተባሂሉ።

ብወገን ግብፂ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ኣብቲ ሩባ ዘለዋ ቀዳምነት ዘለዎ ተረባሕነት ብመሰረት ደንቢ በርሊን 2004 ሕጋውነቱ ዝረጋገፅ ፍትሓውነቱን ሚዛናውነቱን እንትኸውን ጥራሕ ስለዝኾነ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.