Fana: At a Speed of Life!

መሱት ኦዚል ጫምኡ ከምዝሰቐለ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናዊ ፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል መሱት ኦዚል ኣብ 34 ዓመቱ ካብ ኩዕሾ እግሪ ንባዕሉ ኣግሊሉ፡፡

ኣብ ጀርመናውያን ጋንታታት ሻልከ 04ን ዌርደር ብሬመን እናተፃወተ ዝነበረ ኦዚል፥ ኣብ 2010 ደቡብ ኣፍሪካ ዝተኻየደ ፅዋዕ የዓለም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ብዘርአዮ ዝነኣድ ብቕዓት ናብ ስፔናዊት ጋንታ ሪያል ማድሪድ ክፅምበር ክኢሉ፡፡

ኣብ ሳንቲያጎ ቤርናባው ምስ ሪያል ማድሪድ ፅዋዕ ላሊጋ ክዕወት ዝኸኣለ እንትኸውን፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2013 ክብረ ወሰን እታ ጋንታ ብዝኾነ ዋጋ ናብ እንግሊዛዊት ኣርሰናል ክፅምበር ክኢሉ፡፡

ኣብ ኣርሰናል ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ድማ ኣብ ትሕቲ ፈረንሳዊ ኣሰልጣኝ ኣርሰን ዌንገር ኣብታ ጋንታ ዝነኣድ ብቕዓቱ ከርኢ ክኢሉ።

ድሕሪ ምልቃቕ ኣርሴን ዌንገር ብኣሰልጣኒ ኡናይ ኢምሬን ብፍላይ ድማ ብሚካኤል ኣርቴታ ናይ ምስላፍ ዕድል ዘይምርካቡ ስዒቡ ካብታ ጋንታ ተፈልዩ ናብ ቱርኪ ብምምራሕ ጉዕዞ ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ግዚኡ ቀፂሉ ፀኒሑ።

ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት እውን ኣብ ጋንታታት ፌኔርባቸ፣ ኢስታንቡልን ባሻክሼርን ዕዉት ዘይኮነ ግዘ ኣሕሊፉ።

ኦዚል ምስ ኣርሰናል ፅዋዓት ኤፍ ኤ ካፕ ዘልዐለ እንትኸውን፥ ፅዋዕ ዓለም 2014ቱን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ኣልዒሉ።

መሱት ኦዚል፥ ንሸቶ ዝኾኑ ኩዕሾታት ብምቕባል ዝፈጥሮም ዕድላት ብብዙሓት ዝዝከር ተፃዋታይ ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.