Fana: At a Speed of Life!

መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ንወዲሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ህይወቱ ብምሃብ ዝገለፀሉ በዓል ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች አቤቤ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ዓሌት፣ ቀለም፣ ፆታ፣ ሃይማኖትን ኣፈላላይን ንወዲሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ህይወቱ ብመሃብ መወዳደሪ ዘይብሉ ፍቕሩ ዝገለፀሉ በዓል ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች አቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ እነኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።

መስቀል ዘደንቕ ሃይማኖታዊ ስርዓት፣ ክብሪታት፣ ተራኢዩ ዘይምኖ ትውፊታዊ ትሕዝቶን ምስሊ ተፈጥሮኣዊ መስሕብ ዝተላበሰ መግለፂ ኩርዓት ሃገር ካብ ዝኾኑ በዓላት ሓደ ከምዝኾ ኣብሪሀን።

መስቀል ፍቅር፤ የፍቅር፣ የሰላምና የአብሮነት በዓል መሆኑን ጠቅሰው፥ የመስቀል ደመራ በዓል የጨለማው በብርሃን መሸነፍ ማሳያም ነው ብለዋል

በዓል መስቀል በዓል ፍቕሪ፣ ሰላምን ሓድነትን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ በዓል ዳሜራ መስቀል ፀልማት ብብርሃን ዝተሰዓረሉ መርኣያ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.