Fana: At a Speed of Life!

መስቀል ኣደባባይ ኩሉ ዝራኸበሉ፣ ብዙሕ ታሪክ ዘሕለፈ ናይ ኩላትና ኣደባባይ ኢዩ- ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መስቀል ኣደባባይ ኩሉ ዝራኸበሉ፣ ብዙሕ ታሪክ ዘሕለፈ ናይ ኩላትና ኣደባባይ ኢዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ነዚ ዝበሉ ብልዕሊ 2.5 ቢሊየን ብር ዝተሃነፀ ፕሮጀክት መስቀል ኣደባባይ እንትምርቑ ኢዩ።

ሎሚ ዝመረቕናዮ ኣደባባይ ንኹላትና ዝምጥን ኣደባባይ ብምዃኑ እንኳዕ ደስ በለኩም እውን ኢሎም።

ልምዓት ከም ምጥፋእ ምሕዳስ ከም ምፍራስ ቀሊል ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብቲ ኣደባባይ ኩሉ ዓይነት ኩነት ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።

ናይ ትማሊ ስምብራት ናይ ፅባሕ ኣበሳ ንከይኾነና ኩላትና ብሓባር እንተሰሪሕና ዝማዕረገት ኢትዮጵያ ምፍጣር ንኽእል ኢና ኢሎም።

ፕሮጀክት መስቀል ኣደባባይ፥ ቅድመ ሐዚ ዝወሃብ ዝነበረ ሃይማኖታዊ፣ ህዝባዊን ካልኦት ማሕበራዊ ምድላዋትን ተሓሳቢ ብምግባር ዝሓሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ብዘኽእል ዝተሃነፀ ኢዩ።

ክሳብ  1 ሺሕን 400 ተሽከርከርቲ ደው ዝብላሉ ህንፀት ወሽጢ መሬት ስማርት ፓርኪንግ እውን ኣለዎ።

ብተወሳኺ 35 ሹቓት፣ 140 መንፅህን 20 መሕፀቢ ነብስን ከምኡ ውን ንቢሮ ዝኾኑ ክፍልታት፣ 6 ዘመናዊ ሊፍቲታት፣  ካሜራታት ድሕንነት፣ ዘመናዊ ዲጂታል ስክሪናትን መከላኸሊ ሓደጋ ሓዊን ከምዘለውዎ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.