Fana: At a Speed of Life!

መሻርኽቲ ልምዓት ተወሳኺ 3 ቢሊየን ዶላር ንኢትዮጵያ ደገፍ ንምግባር ቃል ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መሻርኽቲ ልምዓት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ዝዓለመ ተወሳኺ 3 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ደገፍ ንምግባር ቃል ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ከምዝገለፅዎ፥ እቲ ደገፍ ገንዘብ ንማክሮ ኢኮኖሚ፣ ንምምሕያሽ ኣወዳድባን ሴክቶራልን ዝውዕል ኢዩ።

እዚ ማለት ባንኪ ዓለም 3 ቢሊየን ዶላር ከምኡ እውን ትካል ገንዘብ ዓለም(አይ ኤም ኤፍ) 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንምሃብ ዝኣተውዎ ቃል ኣብዚ ከምዘይካተት ሓቢሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሕቡራት ኤሜሬት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ንዝገበርዎ ደገፍ አመስጊኖም።

ካብ ትካል ሕቡራት መንግስታትን ባንኪ ኢንቨሰትመንት ኣውሮፓን ተወሳኺ ደገፍ ከምዝህሊ እውን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.