Fana: At a Speed of Life!

መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊረት ምክልኻል ምስ ወዓለት ነባሪ እታ ከተማ ነቲ ሰራዊት ልዑል ምትሕብባር ይገብር ኣሎ- ቢል ለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊረት ምክልኻል ሃገር ምስ ወዓለት ነበርቲ እታ ከተማ ነቲ ሰራዊት ልዑል ምትሕብባር እናገብሩሉ  ከምዝኾነ ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢል ለኔ ስዩም ገሊፀን።

እተን ሓላፊት ምስ ስካይ ኒውስ ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምዝዛሙ ኣብሪሀን።

ቅድም ክብል ጥንቃቐ ዝተመልኦ ወታደራዊ ስታራቴጂ ስለዝተገበረ ንፁሃን እንተይተጎድኡ ከተማ መቐለ ምቁፅፃር ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር እቲ ክልል፣ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ትካላት ጥዕናን መሰረተ ልምዓታትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኮማንድ ፌዴራል ከምዝኾኑ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝነበሩ ኣፈላላያት ብዘተ ንምፍታሕ ዝገበሮም ፃዕሪታት እቲ ጉጅለ ንምቕባል ድሉው ከምዘይነበረ ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን።

ስለዝኾነ ድማ ንሰላም ድሉው ዘይኮነ ጉጅለ ህወሓት ኣብቲ ጉዳይ ዓለም ለኸ ድርድር ይገበር እናበለ ይኹን እመበር ኣብ ወቅሽጢ ዓዲ መፍረሲ ስራሕቲ እናሰርሐ ክልተ መልክዕ እናርአየ ከምዝነበረ ኣብሪሀን።

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ምስዝፈፀመ ገበነኛ ጉጅለ ድርድር ከምዘይህሉ እውን ገሊፀን።

ስለዝኾነ ድማ መንግስቲዝወስዶ ስጉምቲ ነቲ ገበነኛ ጉጅለ ህወሓት ሃዲኑ ብመሓዝ ናብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብ ኢዩ ኢለን።

ኣብ ክልል ትግራይ ቀፃሊ መረፃ ክሳብ ዝካየድ ሓዱሽ ዝተጣየሸ ምምሕዳር ነቲ ክልል ከምዝመርሖ እውን ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.