Fana: At a Speed of Life!

መቐለ 70 እንደርታ ምስ ወልዋሎ ኣብ ስታዲየም ትግራይ ፀወተአን የካይዳ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግጥም ደርቢ ትግራይ ኣብ መንጎ ቻምፕዮን ዓመተ 2011 መቐለ 70 እንደርታን መራሒት ሊግ ዓመተ 2012 ወልዋሎን ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 9 ኣብ ስታድየም ትግራይ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ጋንታታት ዝካየድ ዘሎ ፀወታ፥ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ናይ ንሕንሕ ስምዒቱ እናሓየለ ብምምፅኡ ስዒቡ ሙሉእ ትኹረት መፍቀርቲ ስፖርት ኢትዮጵያ ንምስሓብ ዝኸኣለ ደርቢ ኮይኑ ኣሎ።

ካብ 2005 ዓ.ም ጀሚሩ ክልቲኤን ጋንታታት 14 ጊዜ እንትራኸባ መቐለ 70 እንደርታ 3 ጊዜ ወልዋሎ ድማ 1 ጊዜ ዓወት ከመዝግባ ክኢለን እየን።

ኣብቶም ዝተረፉ 10 ፀወታታት ድማ ማዕረ ተፈላልየን።

ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ብዘሎ ውፅኢት ወልዋሎ ብ10 ነጥቢ ነቲ ፕሪሚየር ሊግ እንትትመርሕ፥ መቐለ 70 እንደርታ 7 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ።

መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሻምፒዮና ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2011 ብምዃን ምዕዋታ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.