Fana: At a Speed of Life!

መበል 1 ሺህ 497 በዓል መውሊድ ኣብ መስጂድ ጀማ ንጉስ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሺህ 497 በዓል መውሊድ ኣብ ኣብ ኢትዮጵያ ነፈለማ እዋን በዓል መውሊድ ዝተኸበረሉ መስጂድ ጀማ ንጉስ ይኽበር ኣሎ።

ብ1456 ዝተመስረተ መስጂድ ጀማ ንጉስ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን በዓል መውሊድ ዝተኸበረሉ ቤተ እምነት ኢዩ፡፡

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣብዱ ሑሴን ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ከምዝገለፁዎ÷ “ሃገርና ብኹሉ መልክዑ ዝተቐደሰት ምድሪ ምዃና ታሪኽ ትካላት እምነትና የረድእ”፡፡

ዞባ ደቡብ ወሎ ብዙሓት መስሕባት የሃልዉ እምበር ነዐኦም ፈሊጡ ታሪኾም ብምድንፋዕ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ክህቡ ኣብ ምግባር ጉድለታት ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡

ወሎ መፈልፈሊ ሊቃውን ሃይማኖት ስለዝኾነ ሓድነቱ ዝጠንከረ ፍቕሪን ምትሕስሳብ ዘለዎ ቦታ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ቦታ መባፅሕቲ ቱሪስታት ንምግባር ህዝበ ሙስሊም ናይ ባዕሉ ፃዕሪ ንኽገብር ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.