Fana: At a Speed of Life!

መበል 125 ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 125 ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ።

እቲ በዓል ዓወት ዓድዋ ዝዝክሩ ምድላዋት ከምኡ እውን መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምቕራብ ኢዩ ተኸቢሩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሃገራት ኬኒያ፣ ጂቡቲ፣ ታንዛኒያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ጀርመን፣ ኳታር፣ ጣሊያንን ሓዊሱ ኣብ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ዝርከባ ኤምባሲታት ተኸቢሩ፡፡

እቶም ኤምባሲታት ብመርበብ ሓበሬታን ካልኦት መራኸብቲ ሜላታትን ብምጥቃም ምስ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትዮጵያውያንን ከምኡ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ፈተውቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ከምዝዘከሩዎ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ኤምባሲ ኬኒያ እንትኽበር መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዘቕረቡ ፕሮፌሰር ማሞ፥ ኣፍሪካውያን ሓድነቶም ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ዓወት ዓድዋ መዓልቲ ሓድነት መላእ ኣፍሪካ ስለዝኾነ፥ ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍልጦ ንኽህቦ እውን ምኽረ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡፡

ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ፕሮፌሰር ሂሩት ካሳው ኣብቲ በዓል ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ዓድዋ ፀለምቲ ህዝቢታት ኣብ ልዕሊ ፀዓዱ ህዝቢታት ዝተመዝገበ መንፀባረቒ ዓወትን ኣብ ልዕልነት ፀዓዱ ተደሪኹ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ካብ ሱሩ ዝፈረሰሉ ከምዝነበረ ገሊፀን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.