Fana: At a Speed of Life!

መበል 19 ዲጂታል ጉባኤ ኢኖቬሽን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 19 ዲጂታል ጉባኤ ኢኖቬሽን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ትሕዝቶን ኣገልግሎትን ዲጂታል ትኹረት ብምግባር ዝካየድ ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ዓሊ፥ ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ ብዙህነት ቋንቋን ባህሊን ዘለወን ሃገራት ትሕዝቶን ኣገልግሎትን ዲጂታል ነሕብረተሰብ ተበፃሒ ብምግባር ሓቛፍነት ዲጂታል ምርግጋፅ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ስትራቴጂ ድጂታል 2025 ኢትዮጵያ ከባቢያዊ ትሕዝቶን ኣገልግሎትን ዲጂታል ብምክታት ትሰርሕ ከምዘላ ተዛሪቦም።

ናይ ውሽጢ ዓዲ ኣቕረብቲ ትሕዝቶ፣ ኦፕሬተራት ቴሌኮምን ተዋሳእቲ ዓለም ለኸ እቲ ዓውዲን ዘላቕነት ትሕዝቶ ዲጂታል ብምርግጋፅ ዘይትካእ ግደኦም ምጭዋት ከምዝግበኦም ተዛሪበቦም።

ብፈቲያ ዓብደላ፤ ተወሳኺ ሓበሬታካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.