Fana: At a Speed of Life!

መበል 25 ዓመት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምኽኒያት ብምግባር ፈነወ ጊዜ ኣፋን ኦሮሞ ዘተኮረ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21  ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) መበል 25 ዓመት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምኽኒያት ብምግባር ፈነወ ጊዜ ኣፋን ኦሮሞ ዘተኮረ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፥ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ቅድሚ 25 ዓመት ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ዝጀመረ ብሕታዊ ሚዲያ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ዋና ጣቢያ ብተወሳኺ ኣብ ክክል ኦሮሚያ ሓሙሽተ ጣቢታት ኤፍ ኤም ብምኽፋት ነህዝቢ ብዝበለፀ ተበፃሒ ክኸወን ከምዝኸኣለ እውን አዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ኪነ ጥበብን ታሪክን ኦሮሞ ንክጉልብት ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝተፃወተ ኣብሪሆም።

ብመዓርግ ሚኒስተር ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ፍትሒ፣ ምርምር ሕጊን ስልጠናን ኣባል ቦርድ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬን  ኣምባሳደር ደግፌ ቡላ ብግደኦም፥ ህዝቢ ትኽክለኛ ሓበሬታ ንክረከብ፣ ዘመናዊ ኣነባብራ ንክኽተልን ከምኡ ውን ሰላምን ዴሞክራሲን ንክነግስ ክሰረሕ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ኦሮሚያ፣ ሰብ ሞያ ኪነጥበብን ምሁራንን ይሳተፉ ኣለዉ።

ብማርታ ጌታቸው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.