Fana: At a Speed of Life!

መበል 29 ዓመት በዓል ዓወት 20 ግንበት ኣመልኪቱ ካብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት መበል 29 ዓመት በዓል ዓወት 20 ግንበት ኣመልኪቱ ካብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መግለፂ ተዋሂቡ።

ቅድሚ ኹሉ ንኹሎም ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እንኳዕ ንመበል 29 ዓመት በዓል ዓወት 20 ግንበት ብሰላም ኣብፀሐኩም ዝበለ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፥ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ በቢ ዓመቱ በዓል ዓወት 20 ጉንበት እናኽበሩ ዓመታት ከምዘቑፀሩ ኣብሪሁ።

ኢትዮጵያ ኣብ 2017 ዓ/ም ዝተሓተ ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ሃገራት ሪጋ ንክትስለፍ ዓሊሙ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግልፂ ራኢይ ከምዝተቐመጠ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ኣብ ሃገርና ሰላም ክሰፍን፣ ዲሞክራሲ ሱር ክሰድድን ዙርያ መለሽ ልምዓት ንምስላጥ ዘኽእሉ፣ ከም መሰረታዊ እምነታትን ዓንድታትን፣ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ መበገሲ ዝገበሩ ኣርባዕተ ዓበይቲ ሽቶታት ንምዕዋት መዘና ዘይብሉ ስራሕቲ ምስላጡ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ልዕሊ ኹሉ መሰል ዓርሰ ውሳነ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተረጋጊፁ ተግባራዊ ኮይኑ እዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ ካብ 1993 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዝነበሩ 15 ዓመታት በብዓመቱ በዓል ኽልተ ኣሃዝ ማሕበረ ቁጠባዊ ዕቤት ብምምዝጋብ፥ ኣብ 1980ታት መወዳእታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ዝነበረ 48 ሚኢታዊ መጠን ድኽነት ኣብ 2008 ዓ/ም ናብ 23 ነጥቢ ሸውዓተ ክወርድ ከምዝኸኣለ ብኣብነት ገሊፁ።

እዙይ ብምዃኑ ብሚልየናት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውን ሓረስቶት ካብ ፀፍሒ ምሒር ድኽነት ተናጊፎም እዮም ኢሉ።

ስለዝኾነ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ናይ ቀደም ኢህወዴግ፥ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሰብ ዋና ሉኣላዊ ስልጣን ምዃኖም ዘረጋግፀ፣ ብቐንዱ ግዳይ ተቓላዕነት ዝገበረና ድኽነት ናይ ምውጋድን፣ ካብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ይወጣወጥ ንዝነበረ ፅዕንቶን ኢድ ኣእታውነትን ሓይልታት ወፃኢ ከይተንበርከኸ ፊት ንፊት ብምግጣም ናፅነት ፖሊሲኡ ሓልዮ ኣተሓሳስባን ተግባርን ልመና፣ ምፅዋትን ተፀባይነትን ብመሰረቱ ንምውጋድ፣ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ንግድን ቱሪዝምን ንምዕባይ ዝሕግዝ ስትራቴጂታት ቀሪፁ ተግባራዊ ጌሩ ኢዩ ብምባል ኣብሪሁ።

ይኹን እምበር እዚ ዘህርፍ ገስጋስን ዕቤትን ብኽልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ክቕፅል ከምዘይከኣለ ሓቢሩ።

እዙይ እውን በቲ ሓደ ገፅ ኣብ ጉዕዞ ህዳሰ ናይ ዝተፈጠረ ሓታታይ ሕብረተሰብ ድሌታቱን ሕቶታቱን ብእዋኑ ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም፤ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ኣብቲ ነበር ኢህወዴግ ሰፊሕ ባይታ ሒዙ ዝነበረ ኣተሓሳስባን ተግባርን ክራይ ኣካብነት ዝፈጠሮም ፀገማት ነቲ ገስጋስን ዕቤትን ከቐፅልዎ ኣይከኣሉን ኢሉ።

ብዘይካ ህወሓት ዝተረፉ ውድባት ኦሆድድ፣ ብኣዴንን ደኢህደንን መደብ ብዕሞቆት ተሃድሶ ብዘይምክያዶም እቲ ፀገም ክፍታሕ ዘይምኽኣሉ እውን ሓቢሩ።

“ሐዚ ብብርኪ ፌዴራል ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣካል ዜጋታት ንምፍንቓልን ብእምነት ፖለቲከኦምን ማንነቶምን ጥራሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንክዕጎሩ ገይሩ ኢ” እውን ኢሉ።

“እቲ ፌዴራል መንግስቲ ዝተቖፃፀረ ኣካል ኢትዮጵያ ክብራን ነፃነታን ብዘናሹ መልክዑ ፖሊሲ ነፃነታ ንጎድኒ ገዲፉ ኩሎም መእተዊ በርታት ሃገርና ጋሕ ኣቢሉ ንባዕዳውያን ሓይልታት ኣሕሊፉ ሂቡዋ እዩ” ብምባል እውን ወቒሱ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንፓርቲታት ፖለቲካ፣ መራሕቲን ምሁራንን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፥ “ብምኽኒያት 20 ዝዓተርናዮም ዓወታት ናብ ዝለዓለ በርኪ ብርኪ ንምብፃሕ፣ ኮሮና ቫይረስ ብሓባር እናመከትና 6ይ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ንምክያድ ዘኽእለና ምችዊ ኩነታት ንምፍጣር ብሓባር ክንንቀሳቐስ ፃውዒትና ነቕርብ” ኢሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.