Fana: At a Speed of Life!

መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኢትዮጵያ ሰላም ኣይኮነትን ዝብል ሓሳብ ፀላኢ ካብ መሰረቱ ዝነቅል ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኢትዮጵያ ሰላም ኣይኮነትን ዝብል ሓሳብ ፀላኢ ካብ መሰረቱ ዝነቅል ከምዝኾነ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

እቲ ጉባኤ ካብ ምትራፍ ሓሊፉ መቐመጢ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ኢትዮጵያ ንምልዓል ብዙሓት ፃዕሪታት እናተገበሩ ምፅነሖም ዝገለፁ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ዘለዋ ግደ ኣብ ግምት ብምእታው ብዝተሰርሐ ሰፊሕ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ እቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽካየድ ተወሲኑ ኢዩ ኢሎም።

ኣፍሪካውያን ፅዕንቶ ፈጠርቲን ፍሉጣት ሰባትን እውን ኣብ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ኣበርክቶ ነይሩዎም ኢዩ ኢሎም እቶም ኣቐባሊ ቃል።

ቀንዲ ዛዕባ እቲ ጉባኤ ኣብ ሃነፅቲ ምግቢታት ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዲና፥ እቲ ጉባኤ ዕዉት ንኽኸውን ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ሰፊሕ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ሕዚ እውን ናብ ኢትዮጵያ እናኣተዉ ከምዝኾኑ ኣምባሳደር ዲና ተዛሪቦም።

ብዙፋን ካሳሁንን ቆንጅት ዘውዴን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.