Fana: At a Speed of Life!

መበል 43 ኣኼባ ኮሚቴ ቀዋሚ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 43 ኣኼባ ኮሚቴ ቀዋሚ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

እቲ ኣኼባ “ምህናፅ ዓቕሚ ስርዓተ ምግቢ፣ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ኢኮኖሚን ማሕባበራዊን ልምዓት ምቅልጣፍ ኣህጉር ኣፍሪካ” ብዝብል ሕብረት ኣፍሪካ ብዘሰናደኦ መሪሕ ቃል ኣኼባ 2022 እናተኻየደ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ብመርበብ ሓበሬታ እናተኻየደ ኣብ ዘዝርከብ እቲ ኣኼባ፥ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሚሳ ፋቂ ማህማትን ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረትን እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንክልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እቲ ኣኼባ፥ 25ን 26 ጥሪ 2014 ዓ.ም ንዝካየድ መበል 40 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን 28ን 29ን ጥሪ 2014 ዓ.ም ንዝሳለጥ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት ዝቐርቡ ረቀቕቲ ዛዕባታት ኣድሂቡ ክዛተ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ኮሚቴ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣፈፃፅመኦም ከምኡ እውን እቲ ሕብረት ኣብ 2021 ኣ.ም.ፈ ዘካየዶም ኣኼባታት ዝተመልከቱ ፀብፃባት ክሰምዕ ኢዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.