Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ሃገሮም ንዘይምድፋር ብሓባር ብምዃን ክቃለሱ ይግባእ-ም/ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2013 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ሃገሮም ንዘይምድፋር ንኢድ ኣእታውነት ሓይሊታት ወፃኢን ንናይ ውሽጢ ባንዳታትን ብሓባር ብምዃን ክቃለሱ ይግባእ ክብላ ምክትል  ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ምክትል ከንቲባ )“ድምፅና ንነፃነትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ  ብምርካብ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን።

ኣብ መልእኽተን፥ መናእሰይ ሃገሮም ንዘይምድፋር ንኢድ ኣእታውነት ሓይሊታት ወፃኢን ንናይ ውሽጢ ባንዳታትን ብሓባር ብምዃን ክቃለሱ ይግባእ ኢለን።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ ፀለምቲ ህዝብታት ንሓይሊታት  ተንበርኪኻ ኣይትፈልጥን ኢለን።

ስለዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ሓይሊታት ወፃኢ  ፈፂምና ኣይንቕበልን ኢየን ዝበላ።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ሃገራት ወፃኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታውነትን ፅዕንቶን ዝቃወም ኢዩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን ዘንበሮ ክልከላ ጉዕዞን ኣብ ለዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ፅዕንቶን እዛ ሃገር ካብ ድኽነት ንከይትላቐቕ ንምግባር ካብ ምድላይ ዝፍልፍል ብምዃኑ ብፍላይ መንእሰይ ንዕብየት ሃገር ግድኡ ብምውፃእ ፅዕንቶ ወፃኢ ዝቃወም ሰልፊ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.