Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ኣፍሪካ ንፀገማት እታ ኣህጉር ብምቅላስ ኣብ መፍትሒኦም ከድህቡ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ኣፍሪካ ንፀገማት እታ ኣህጉር ብምቅላስ ኣብ መፍትሒኦም ከድህቡ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣኼባ መናእሰይ ፓን ኣፍሪካ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ምስላጥ ጀሚሩ፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ብዝገበሩዎ መደረ፥ “ሎሚ መዓልቲ ብስምዒት ፓን ኣፍሪካ ክንእከብ ዝግባእ ኣቦታትና ንናፅነት ብዝገበሩዎ ዘይክኸውን ይኽእል ኢዩ፤ ይኹን እምበር ሕዚ እውን ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ ድኽነት ስለዝኾነት ካብ ድኽነት ንምውፃእ ብምትእኽኻብ ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ካብኡ ንላዕሊ ድማ መናእሰይ ኣፍሪካ ምቹው ኩነታት የለን ብምባልን ፀገማት ብመፍራሕን ካብ ምስዳድ ንኹሉ ነገር ክጋፍዑዎን ክቃለሱዎን ከምዝግበኦም ተዛሪቦም፡፡

“ኣብ ኣፍሪካ ብዙሓት ፍልጠታት ኣለዉ፤ እዚኦም ብምጥቃም ኣፍሪካ ንኽትምዕብልን ክትዓቢን መናእሰይ ትፅቢት ዝግበረሎም ግደ ክዋፅኡ ኣለዎም” ኢሎም፡፡

ሚኒትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ ብግደአን፥ መናእሰይ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፃት ብግቡእ ብምጥቃም ሓድነት ንምምፃእ ብምውዳድ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣብ ኣፍሪካ ካብ ሞንጎ ዘሎ ህዝቢ 65 ሚኢታዊ ዝኸውን መንእሰይ ከምዝኾነ ብምሕባር እዚ ብምጥቃም ብዙሕ ነገር ምልዋጥ ከምዝከኣል ኣብሪሀን፡፡

ብጥበበስላሴ ጀንበሩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.