Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ካብ ቫይረስኮሮና ከምልጡ ከምዘይኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ካብ ቫይረስ ኮሮና ከምልጡ ስለዘይኽእሉ ማሕበራዊ ርሕቐቶም ሓልዮም ጥንቃቐ ክገብሩ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ።

ብብርኪ ዓለም በዝሒ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት 11 ሽሕ ከም ዝበፅሐ ብምግላ ዝገለፀ እቲ ትካል፥ ዋላ’ኳ ኣረጋውያን ዚያዳ ንቫይረስኮሮና ዝተቓልዑ እንተኾኑ መናእሰይ ካብቲ ሕማም ዝተርፉ ከምዘይኮኑ ኣብሪሁ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እቲ ሕማም ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ከጥቅዕ ስለ ዝተራእየ ጥራሕ መናእሰይ እቶም ዝወሃቡ ዘለው መልእኽታት ምክልኻል እዚ ሕማም ዕሽሽ ይብሉዎም ከም ዘለው ገሊፆም።

መናእሰይ ዝወስዱዎ ምርጫ ድማ “ንሓደ ሰብ ኣብ ሞንጎ ህይወትን ሞትን ዘሎ ኣፈላላይ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢሎም።

ዋላ’ኳ ኣረጋውያን ብዝለዓለ ብርኪ ነቲ ሕማም ዝተቓልዑ እንተኾኑ፥ ንመናእሰይ’ውን ኣስጋኢ’ዩ ክብል ኣጠንቂቖም።

ብተወሳኺ “እቲ ቫይረስ ክትፃወርዎ ኣይትኽእሉን፤ በዚ ምኽንያት ንሰሙናት ኣብ ሆስፒታል ክትድቅሱ፣ ክትሞቱ’ውን ትኽእሉ። እንተዘይሓመምኩም’ውን እትወስድዎ ውሳነታት ንህይወት ካልኦት ሰባት ሓደጋ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም” ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ ዘለው መፅናዕታት ቫይረስኮሮና ንኹሉ ክልል ዕድመ ዘጥቕዕ ምዃኑ የረድኡ።

ይኹን’ምበር ብዕድመ ዝደፍኡን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ሰባት ዚያዳ ቀልጢፎም ክጥቅዑ ይርአ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.