Fana: At a Speed of Life!

መንበሪ ፍቓድ ስዑድ ዓረብ ተመሓላሊፎም ብዝብል ኣብ ሪያድ ተኣሲሮም ዝፀንሑ 82 ዜጋታት ተፈቲሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንበሪ ፍቓድ ስዑድ ዓረብ ተመሓላሊፎም ብዝብል ንዘሓለፉ ሰሙናት ምስ ስድረኦም ኣብ ሪያድ ጣቢያ ፖሊስ ተኣሲሮም ዝፀንሑ 82 ዜጋታት ተፈቲሖም።

እቶም ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትጵያውያንን፥ ኣብ ከተማ ሪያድ ኣብ ዝርከባ ሓሙሽተ ጣቢያታት ፖሊስ ንሰለስተ ሰሙናት ተኣሲሮም ዝፀንሑ ኢዮም።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድ ከምዝገለፆ፥ ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ስራሕ እታ ሃገር ብምዝርራብ እቶም ዜጋታት ንኽፍትሑ ተገይሩ ኢዩ።

ምስ ስድረኦም ተኣሲሮም ዝነበሩ ህፃናት ክትትልን ሓገዝን ሕክምና ክረኽቡ ከምዝተገበረ እውን ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.