Fana: At a Speed of Life!

መንነቱን ክብረቱን ንምውሓስ ንመስዋእቲ ጋእ ዘይበለ ህዝቢ ህይወቱ ንምድሓን ክኸብዶ ኣይኽእል- ዶከተር ደብረፂዮን

መንነቱን ክብረቱን ንምውሓስ ንመስዋእቲ ጋእ ዘይበለ ህዝቢ ህይወቱ ንምድሓን(ንምትራፍ) ክኸብዶ ኣይኽእል፣ ኣይግባእን እውን ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶከተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።
 
እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ መንግስቲ ሕዚ’ውን ህይወት ህዝብና ንምድሓን ኣብ ኩናት እዩ ዝርከብ ኢሎም።
 
ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
 
መንግስቲ እዚ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣገደስቲ ስጉምትታት እናወሰደ እንትኸውን፣ ከይዲ ኣተገባብራ ናይቶም ዝተወሰዱ ስጉምትታት ብዝርዝር እናገምገመ፣ ህዝብና ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝህቦም ዘሎ ግብረ መልሲታትን መሰረት ብምግባር ብቐፃሊ ኣብ ምስራሕ ንርከብ። ሕድሕድ ትግራዋይ እውን እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ግጥም ሽትኡ ንኽወቅዕ ግቡኡ እናፈፀመ መፅዩ ኣሎ። ብፍላይ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ‘ኩሉ ድሕሪ ድሕንነትን ጥዕናን ህዝብና’ዩ” ብምባል፣ ንእትገብርዎ ዘለኹም እጃም ዘለኒ ናእዳ ክገልፀልኩም ይፎቱ። ካለኦትኩም እውን ኣሰር ናይዞም ሰብ ሰናይ ተግባር ከምእትስዕቡ ሙሉእ እምነት ኣለኒ።
 
ከም መንግስቲ ዕላማና ምርግጋፅ ውሑስ ሰላም፣ ድሕንነትን ምህናፅ ድልዱል ቁጠባን’ዩ። እዚ ቀዋሚ ዕላማና ከይንዕዉት ኣብ በቢምዕራፉ፣ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝግለፁ ማሕለኻታት ኣጓንፎሙና’ዮም። ግን ድማ ብሓያል ውዳበናን ሓድነትናን ከከም ኣመፃፅኦኦም መኪትና ጉዕዞና ቀፅልና።ህዝቢ ትግራይ መንነቱን ክብረቱን ንምውሓስ ንመስዋእቲ ጋእ ዘይበለ፣ ህይወቱ ንምድሓን(ንምትራፍ) ክኸብዶ ኣይኽእል፣ኣይግባእን እውን። ከም መጠን መኽበሪ ሕግን ስርዓትን ህዝቢ፣ ኩሎም ሜላታት መከላኸልቲ እዚ ቫይረስ ብሙሉእነት ብምትግባር ክንቆፃፀሮ ንኽእል ኢና።
 
ስለዚ ሕዚ እውን ብቀፃሊ መንግስቲ ዘውርዶም መምርሕታት ከይረብረብና ክንትግብርን በብደረጅኡ ብዘለው ሰብ ሞያ ጥዕና ዝወሃቡና ምኽርን ማዕዳን ብዝለዓለ ንቕሓትን ድስፕሊንን ክንከታተልን ክትግብርን ይግባእ።
 
መናእሰይ ትግራይ(ኣባላት ድጂታል ወያነ) ከኣ ከምቲ ልሙድ ናይ ኩሉ ምንቅስቃሳትና ቀለስትን ግንባር ቀደም ፈፀምትን ኢኹም እሞ፡ ኣብዚ መዳይ እውን ከም ኣመልኩም መሪሕ እጃምኩም ክትፍፅሙ ፃውዒተይ ከቕርበልኩም ይፈቱ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.