Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲን ትካላት ሃይማኖትን ኣብ ምርግጋፅ ሓድነትን ሰላምን ሃገር ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲን ትካላት ሃይማኖትን ኣብ ምርግጋፅ ሓድነትን ሰላምን ሃገር ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ መበል 12 ስሩዕ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚልን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተሳቲፎም።

እቲ ጉባኤ ኣቦታት ሃይማኖት ብዝገበርዎ ፀሎትን ቡራኬን ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ጉንፂ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ናይ ሕሊና ፀሎት ተገይሩሎም።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ ኣቦታት ሃይማኖት ብሓባር ብምዃን ንምርግጋፅ ሰላምን ሓድነትን ሃገር ንዝሰርሕዎ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ጎድኖም ብምስላፍ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ተዛሪበን።

“ሃገር ሰላም ንክትከውን ዘይደሊዩ ሓይሊታት ዝኸፍአ ጉድኣት ንምብፃሕ ብዙሕ ሰሪሖም ኢዮም፤ ሐዚ እውን ነዚ ጠንኪርና ክነምክኖን ክሳብ መወዳእታ ክነፍሽሎን ኣለና። እዚ እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ነገር ካብ ኢድና ከምልጥ ይኽእል ኢዩ” ኢለን።

ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ መንግስቲ ዝለዓለ እጃም ኣለዎ ዝበላ እንትኾና፥ ይኹን እንበር ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ቅኑዕ ሕሊና ምስ ምፍጣር ሓቢሩ እንተዘይከይዱ ከንቱ ድኻም ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ኣቦታትን ትካላትን ሃይማኖት ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ፀገማት ብዝሰልጠነ ኣተሓሳስባ ኣቢሎም እወንታዊ ሕሊና ኣብ ምፍጣር ልዑል ግደ ከምዘለዎም ሓቢረን።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብግደአን፥ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘጋጥም ጀሚሩ ኣቦታት ሃይማኖት በቢእምነቶም ንምእመናን ኣስተምህሮ ብምሃብ፣ ብምትሕብባርን፣ ብምምካርን እቲ ቫይረስ ንከይላባዕ ዓሊሞም እናሰርሑ ከምዝፀንሑ ገሊፀን።

እቶም ኣቦታት ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ድማ አመስጊነን።

ሐዚ እውን በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ቁፅሮም ይዛይድ ስለ ዘሎ ንምእመናን ዝግበር ኣስተምህሮ ምኽሪን ክቕፅል ከምዝግባእ ፃውዒተን ኣቕሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.