Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ምስ ሱዳን ዘለዎ ውጥጥ ዶብ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ድልዊ ኢዩ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ምስ ሱዳን ዘለዎ ውጥጥ ዶብ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ድልዊ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ሃገራት ኣፍሪካ መበርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም፥ ኩነታት ዶብ ኢትዮ ሱዳን፣ ከይዲ ህንፀት ሰላም፣ ብሄራዊ ዘተን ግድብ ህዳሰን ብዝምልከት ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ምስ ሱዳን ዘለዎ ውጥጥ ዶብ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ድልዊ ኢዩ ድማ ኢሎም።

ሱዳን ድማ እቲ ውጥጥ ካብ ምግዳድ ክትቁጠብን እቲ ጉዳይ ዓለም ለኻዊ ትሕዝቶ ንክህልዎ እትገብሮ ከይዲ ደው ንክተብልን ሓቲቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.