Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ትግራይ ብምኽኒያት ምዕልቕላቕ ውሑጅ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ነበርቲ ክልል ዓፋር ልዕሊ 5 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣  7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምኽኒያት ሓደጋ ውሑጅ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ነበርቲ ክልል ዓፋር ደገፍ ገይሩ።

እቲ ደገፍ ልዕሊ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት እታዎታት ምግቢን ናውቲን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምግባረ-ሰናይ ትእምት ምስ ትራንስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ብምኽንያት ምምላእ ሩባ ኣዋሽ ንሓደጋ ውሕጅ ዝተቓልዑ ወገናት ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2012 ዓ.ም ልዕሊ ብር 2 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ብሓገዝ ምብርካታ ይዝከር።

ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ዝዘንብ ዘሎ ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ኣብ ዝርከቡ 23 ዞባታት ውሑጅ ምግጣሙ ሚኒስትር ሰላም ፌዴሪኢ ምግላፁ ዝዝከር ኢዩ።

ብመሰረት እዚ 580 ሺሕ ዜጋታት ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ ፀገም ዘጋጠሞም እንትኸውን፥ ክሳብ ሐዚ 217 ሺሕ ዜጋታት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.