Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ትግራይ ቫይረስኮሮና ብላባራቶሪ ብምምርማር ውፅኢት ምግላፅ ዘኽእል መሳርሒ ብዕሊ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ትግራይ ቫይረስኮሮና ብላባራቶሪ ብምምርማር ውፅኢት ምግላፅ ዘኽእል መሳርሒ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ኣጀሚሩ።

ነቲ ስነስርዓት ዘጀመሩ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፥ እቲ መመርመሪ መሳርሒ ብዓቕሚ ክልል ካብ ወፃኢ ዓዲ ከምዝኣተወ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናሙና ደም ተመርመርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምልኣኽ እንተየድለየ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተዳለወ ማእኸል ብላባራቶሪ ብምምርማር ውፅኢት ምሃብ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም።

ብተመሳሳሊ ዜና ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስኮረና ብሄራዊ ክልልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሎሚ 23 መጋቢት 2012 ዓ/ም ኣብ ኽልተ ጉዳያት ተወሰኽቲ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ብምዃኑ ካብ 24 መጋቢት 2012 ዓ/ም ጀሚሩ፦

1. ቤተ ፅባቐ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባትዮን ክዕፀ

2. ክልተ እግሪ ዘለወን ሞተር ሳይክላት ሓደ ሰብ ጥራሕ ሒዘን ክጓዓዛ ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስኮሮና ወሲኑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.