Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ደገፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሰኔ 23፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ደገፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንገስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብመዳርግቲ ኣካላት ኣቢሉ ክሳብ ሐዚ 2 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር  ሓገዝ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ 234 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት፣ ልዕሊ 155 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢ ተንከፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምዝተልኣኸ አወን ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ልዕሊ 18 ሺሕ ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቲ ክልል ምትሕልላፉ ገሊፆም።

ኣስታት  1 ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ እውን ከምዝተልኣኸ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ናብ ትግራይ ልዑል መጠን ዘለዎ ነዳዲ ከመዘኣተወ ኣብ መግለፂኦም ኣፍሊጦም።

እዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምጉዕዓዝ እኹል ከምዘኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ሓገዝ ዘመላልሳ ኣውሮፕላናት ንከይዓርፋ ዝተገበረሉ ምኽኒያት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንከፃርዮ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.