Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ተሳትፎ ሳልሳይ ወገን ኣየድሊን-ኣምባሳደር መለስ ኣለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ኬኒያ ኣምባሳደር ፌዴሪኢ መለስ ኣለም “መንግስቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ተሳትፎ ሳልሳይ ወገን ኣየድሊን” ክብሉ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዘቤታዊ ጉዳይ ናይ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ምእታው ከምዘየድሊዮ ብምግላፅ፥ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብምኻነ ነቲ ጉጅለ ትወግእ ኣላ ዝብል ሓሳብ ውድቂ ገይሮምዎ።

ኢትዮጵያ ናይ ካልኦት ሃገራት ደገፍ እንተይኣድለያ ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣቢላ ውሽጣዊ ጉዳይ ምፍታሕ ከምእትኽእል ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ይኹን መላእ ኣፍሪካ ሰላምን ፀፅታን ብምንጋስ ልዑል ሽም ዝወነነ ሰራዊት ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረሉ ኩነታት እንተብርሁ፥ ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ልዕሊ 20 ዓማውቲ ነቲ ክልል እንትሕሉ፣ ንህዝቢ ብልምዓት እንተገልግል ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምብፅሑ ሓቢሮም።

ጉጅለ ህወሓት ካብ ስልጣን ካብ ዝውገድ ንደሓር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ሕጊ ብዝጠሓሰ መገዲ ሃገር ናይ ምንጋዕ ስራሕ እንትሰርሕ፥ መንግስቲ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ከምዝተዓገሰ ኣረዲኦም።

እቲ ጉጅለ ትዕግስቲ መንግስቲ ከምድኽመት ስለ ዝወሰዶ ተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም ቀዳማይ ሚኒስትር  ኣቢይ ኣሕመድ ንምቕባል ቅሩብ ከምዘይነበረ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ነዛ ሃገር እንትመርሕ ዝነበረ ጉጅለ ህወሓት ንዝመፅአ ለውጢ ንምትዕንቓፍ፣ ምስ ካልኦት ዕጡቓት ብምዃን ፀፅታ እዛ ሃገር እንትህውኽ ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሮም።

መንግስቲ ብምኽኒያት ኮቪድ 19 ሃገራዊ ምርጫ ንክናዋሕ አንትገብር እውን እቲ ጉጅለ ነዚ ብዘይምቕባል ዘይሕጋዊ ምርጫ ከምዘካየደ ሓቢሮም።

ምንቅስቓስ ሽርሒ እቲ ጉጅለ ንምኽባስ ዓሊሙ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ምርግጋፅ ልዕልነት ሕገ መንግስቲን ዜጋታት ተገራይ ካብቲ ጁንታ ናፃ ንምውፃእን ዝዓለመ ኢዩ እውን ኢሎም ኣምባሳደር መለስ።

ህወሓት ዘዋፈሮም እሙናት ኣባላይ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ኣብ ማይ ካድራ ኣብ ለዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ኣሰቃቒ ቅትለት ብዛዕባ ምፍፃሞም እወን ሓቢሮም።

እቲ ኣሰቃቒ ቅትለት ንፁሃን ዜጋታት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ከምዘረጋገፅዎ እውን ገሊፆም።

ኣብ ከባቢ እቲ ጎንፂ ዘለዎ ካብ መረበቶም ብምምዝባል ናብ ሱዳን ንዝተሰደቱ ወገናት፥ ሰብኣዊ ደገፍ ንምግባን መሊስካ እግሪ ንምትካልን መዳርግቲ ኣካላት ዝተሳተፍሉ ኮሚቴ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ገሊፆም።

ኣብ ተግራይ ዝተጀመረ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ዕላምኡ ውን ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ተግባር ከምዝኾነ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.