Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ብዝተቐላጠፈ መልክዑ ከምዘቕርብ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ብዝተቐላጠፈ መልክዑ ከምዘቕርብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ።

እቲ ቤት ፅሕፈት፥ መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ዝህቡ ኣካላት ብምዃን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ከምዝሰርሕ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ኩነታት ካብ ክልል ትግራይ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ዘፃሪ ኮሚቴ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ጉዳይ ዘፃረየ እንትኸውን፥ እቲ ሓገዝ ብምውዳድ ሚኒስቴር ሰላምን መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራልን ኣቢሉ ከምዝበፅሕ ኢዩ ተሓቢሩ ዘሎ፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ፌዴራል ዝወዓሉ ከባቢታት ምክፍፋል ቀዳማይ ሓገዝ ምግቢ፣ መድሓኒት፣ ፅሩይ ዝስተ ማይን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲን ከምኡ እውን ካብ መረበቶም ወፃእ ኣብ መዕቖቢ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ምቕራብ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ፡፡

እቲ ኮሚቴ ዘቕረቦ ገምጋም መሰረት ብምግባር ዕለታዊ ሓገዝ ዘድሊዮም ዜጋታት ዝተፈለዩ እንትኾኑ፥ ኩነታት ክሳብ ዝረጋጋእ ሓገዝ ምግባር ከምዝቕፅል ኢዩ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ ዘሎ፡፡

መንግስቲ ዝተሰሰደዱ ዜጋታት ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ንምግባር፣ ንፁሃን ዜጋታት ንምሕላውን ንምሕጋዝን ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ዝገብሩ ትካላትን ብምትሕብባር ክሰርሕ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.