Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ዲጂታል ልውውጥ ንግዲ ንሓለዋ መሰል ዓማዊል ፍሉይ ጠመተ ከምዝህብ ተገሊፁ

አዲስ አበባ፣ ግንቦት 24፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ዲጂታል ልውውጥ ንግዲ ንሓለዋ መሰል ዓማዊል ፍሉይ ጠመተ ከምዝህብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ።

“ሓለዋ ዓማዊል ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ” ብዝበል መሪሕ ቃል  ኤፍ.ኤስ.ዲ ኢትዮጵያ ዘሰናድኦ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ሓቛፊን ዘላቒን ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኣብ ዲጂታል ፋይናንስ ስርዓት ዘለዎ ፀገማት ብምፍላይ ኣንፈት መፍትሒ ንምጥቃም ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ሁሪያ ዓሊ፥ ኣብ ዲጂታል ዕዳጋ ዓማዊል ካብ ምድንጋርን ስርቂን ምሕላው፣ ብዛዕባ ዕዳጋ እኹል ሓበሬታ ንክረኽቡ ምግባር፣ ፈትሓዊ ነግዲ ምፍፃምን ኣብ ዕዳጋ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ዘይምርድዳኣት ዝፈትሕ ስርዓት መዝርጋሕ የድሊ ኢለን።

መንግስቲ ኣብ ዲጂታል ልውውጥ ንግዲ ንሓለዋ መሰል ዓማዊል ፍሉይ ጠመተ ከምዝህብ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.