Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ካብ 1997-2007 ዓ.ም ውዝፍ ዕዳ ግብሪ ንዘለዎም ትካላት ቢዚነስ ዕደኦም ምስራዝ ሓዊሱ ካልኦት ውሳነታት ፖሊሲ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ምንካይ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ፖሊሲ ከምዘመሓላለፈ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ ገሊፆም።

እቶም ውሳነታት ምስ ውዙፍ ውሳነታት ልቓሕ ዝራኸቡ ናብራ ዜጋታት ኣብ ምድሓን ዘተኮሩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ለበዳ ኮቪድ-19 ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ዝኸፍአ ጉድኣት ንከየብፅሕ መንግስቲን ሕብረተሰብን ርብርብ ይገብሩ ከምዘለዉ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ብፍላይ ኣብ ሰደድ ወፃእን ዓውዲ ኣገልግሎትን ንዝተዋፈሩ ትካላት ብባንኪታት ኣቢሉ ሽግሽግ ልቓሕን ተወሳኺ ልቓሕን ንክቐርበሎም ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት እቲ ዝተፈጠረ ምዝሕሓል ኢኮኖሚ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ቢዝነስ ዘሎ ጉድኣት ንምቕናስ ዘኸእል በዓል 15 ነጥቢ ውሳነታት ፖሊሲ ከምዘመሓላለፈ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ፌዴራል ካብ 1997 ክሳብ 2007 ዓ.ም ውዝፍ ዕዳ ግብሪ ንዘለዎም ትካላት ቢዚነስ ስረዛ ተገይሩ ኣሎ ኢሎም።

ግብሪ ከፊሎም ርካቦት ኦዲት ዝተረኸበሎም ትካላት ድማ ውሳነ ውዝፍ ርካቦት ዕደኦም ካብ ዝተሓላለፈሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ግብሪ ትርፊ ንግዲ/Business Income Tax ብመሰረት ዝቕመጥ ሰሌዳ ግዘ ከፊሎም ንክዛዝሙ ውሳነ ከምዝተውሃበ ዶክተር ኢዮብ ገሊፆም።

“ብቐዳምነት 25 ሚኢታዊ ትርፊ ንግዲ ግብሮም ብምኽፋል ዝተረፈ ድማ ኣብ ዝተውሃቦም ጊዘ ንዝኸፈሉ ትካላት ወለድን ቅፅዓት ግብሪን ክለዓለሎም ኢዩ” ኢሎም።

ሙሉእ ትርፊ ንግዲ ግብሮም ብሓደ ግዜ ንዝኸፍሉ ትካላት እውን 10 ሚኢታዊ ከምዝቕነሰሎም ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፥ ሚኒስቴር ገንዘብን ሚኒስቴር እቶትን እቲ ውሳነ ንምፍፃም ዘኽእል ዝርዝር መምርሒ ከምዘሰናድኡ ሓቢሮም።

ምስ ርካቦት ኦዲትን ውዝፍን ብዝተተሓሓዘ ኣብ ከይዲ ፍርዲ ንዘለዉ ትካላት ድማ  ትርፊ ንግዲ  ግብሮም ብምኽፋል ካብ ሞገት ክወፅኡ ከምዝኽእሉ፤ እዚ ማለት ግን ብሰናይ ፍቓድ ከፈልቲ ግብሪ ዝውሰን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ እቲ ለበዳ ምኽኒያት ብምግባር ንተኻረይቲ እፎይታ ክራይ ገዛ ንዝገበሩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ስረዛ ግብሪ እቶት ክራይ ተገይሩሎም ኣሎ።

እዚ ውሳነ ነቶም ትካላት ንምምስጋንን ንኻልኦት ድማ ንምልዕዓልን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ብምኽኒያት ምዝሕሓል እቶት ንሰራሕተኛታቶም መሃያ ምኽፋል ዘይከኣሉ ትካላት ንምሕጋዝ ድማ፥ እቶም ትካላት ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኸፍልዎ ግብሪ መሃያ ብምስራዝ መሃያ ሰራሕተኛታት ጥራሕ ንክኸፍሉ ውሳነ ተዋሂቡ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ውሳነ ፖሊሲ፥ ኣብ ላዕለዎት ውልቀ ትካላት ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕናን ካልኦት ትካላት ቢዝነስን ንዝተዋፈሩ ትካላት ዝሓወሰ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.